ፊሊጲ 4

1 እምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ።

2 ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን፡ ንኤዎድያ እምዕድ፡ ንስንጥኬውን እምዕድ አሎኹ።

3 እወ፡ ኣታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ አሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።

4 ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሓጐሱ፡ እብል ኣሎኹ።

5 እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ።

6 ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።

7 እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ እዩ።

8 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

9 ነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።

10 ደጊምሲ ኽትሐስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ አሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሐሲብኩም ኔርኩም።

11 ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ።

12 ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ።

13 በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ብክርስቶስ ንዅሉ ክኽእሎ እየ።

14 ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም።

15 ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ በቲ ናይ ወንጌል መጀመርታ ኻብ መቄዶንያ ምስ ወጻእኩ፡ ብጀካኻትኩም ጥራይ ካብ ማሕበር ብናይ ምሃብን ምውሳድን ሓደ እኳ ምሳይ ከም ዘይሐበረ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

16 ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ጊዜን ካልኣይ ጊዜን ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ።

17 ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ኪበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን።

18 ሕጂ ግና ኵሉ አሎኒ፡ ምስ ትርፉውን አሎኒ። እቲ ካባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ አሎኹ።

19 ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

20 ግናኸ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

21 ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።

22 ኵሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም አለዉ።

23 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።