ዘህልቍ 14

1 ብዘለዉ እቶም ኣኼባ ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ጨርሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኺበኪ ሐደረ።

2 ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጕረምረሙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ በሎም፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ኸም ሞትና መን ምሀበና።

3 ንሕና ብሴፍ ክንወድቕ፡ ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ኪማረኹ፡ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና፧ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሕሸናን፧

4 ንሓድሕዶም ከኣ፡ ሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ፡ ተባሃሀሉ።

5 ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘላ እታ ማሕበር ኣኼባ ደቂ እስራኤል ብገጾም ተደፍኡ።

6 እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፋነን፡ ካብቶም ሰለይቲ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡

7 ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ።

8 እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ።

9 ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዜጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም።

10 ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ድንኳን ምርዃብ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ።

11 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚንዕቀኒ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧

12 ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።

13 ሙሴ ኸኣ ንእግዚብሄር በሎ፡ እቶም ግብጻውያን፡ ንስኻ እኳ ነዚ ህዝቢ ኻብ ማእከሎም ብሓይልኻ ዘደየብካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም።

14 ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚነብሩ ድማ ኪነግሩ እዮም፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዘሎኻ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ከም እተርኤኻ፡ ደበናኻውን ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚቐውም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ከም እትኸይድ ድማ ሰሚዖም ኣለዉ።

15 ሕጂ ኸኣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም ንሓደ ሰብ ጌርካ እንተ ቐተልካዮ፡ ሽዑ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፡

16 እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ዝመሐለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሐረዶም፡ ኢሎም ኪዛረቡ እዮም።

17 ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ይዕበ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምዚ ኢልካ፡

18 እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓዪ፡ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ፡ ንሱ በደልን ሓጢኣትን ይቕረ ይብል፡ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ኽሳዕ ራብዓይን ወለዶ ይቐጽዕ እምበር፡ ንበዳሊ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን።

19 ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ሒዝካ ኽሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ፡ ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ዓብዪ ምሕረትካ ሓጢኣቱ ሕደገሉ።

20 እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለ እየ።

21 ግናኸ ኣነ ብሓቂ ህያው እየ፡ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትመልኣ እያ፡

22 ኲሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባት፡ ድሮ ዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒ፡ ቃለይ ከኣ ኣይሰምዑን፡

23 ነታ ነቦታቶም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ከኣ ኣይርእይዋን፡ ካብቶም ዝነዐቑኒውን ሓደ እኳ ኣይርእያን።

24 ንባርያይ ካሌብ ግና፡ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ ፈጺሙውን ስለ ዝሰዐበኒ፡ ናብታ ኣትይዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪወርሳ እዩ።

25 ኣብ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ይነብሩ ኣለዉ እሞ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጐዐዙ።

26 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡

27 ነዚ ዜጕረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መኣዝ ክጾሮ እየ፧ እቲ ደቂ እስራኤል ዜጕረምርሙለይ ምጕርምራም ሰሚዔ ኣሎኹ።

28 በሎም ከኣ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከምቲ ኣብ እዝነይ እተዛረብኩምዎ፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡

29 ኣቱም ዘጉረምረምኩምለይ ኲላትኩም እተቘጸርኩም፡ ከምቲ ዅሉ ቚጽርኹም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።

30 ናብታ ኣብኣ ከናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን።

31 ነቶም ምርኮ ኪዀኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ከእትዎም እየ፡ ነታ ዝነዐቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም።

32 ንስኻትኩም ግና፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።

33 ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም፡ ሬሳኹም ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ምንዝርናኹም ኪጾሩ እዮም።

34 ከም ቊጽሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰሌኹምለን መዓልታት፡ ኣርብዓ መዓልቲ፡ ሓንቲ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትጾሩ ኢኹም፡ ካባኻትኩም ከም ዝረሐቕኩ ኸኣ፡ ክትፈልጡ ኢኹም።

35 ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ፡ ነዚ ዅሉ ኣባይ ብሓደ እተሐባበረለይ ሕሱም ኣኼባ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፡ ኣብዚ በረኻ እዚ ኺውድኡ እዮም፡ ኣብኡውን ኪሞቱ እዮም።

36 እቶም ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረሙሉ፡

37 እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ብመቕዘፍቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።

38 ካብቶም ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ብህይወት ተረፉ።

39 ሙሴ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ብዙሕ ሐዘነ።

40 ንብጊሓቱ ድማ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ በዲልና ኢና እሞ፡ እኔና ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣሎና፡ ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ።

41 ሙሴ ግና በሎም፡ ሕጂ ንስኻትኩም ስለምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ፧ ኣይቐንዓኩምን እዩ።

42 እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልኩም ኣይኰነን እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትስዐሩ፡ ኣይትደይቡ።

43 ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነአናውያንን ኣብ ቅድሜኹም ኣለዉ እሞ፡ ብሴፍ ክትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ስለ እተመለስኩም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ።

44 ንሳቶም ግና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይቡ ደፈሩ፡ ታቦት ኪዳን እግዚብሄርን ሙሴን ግና ካብ ሰፈር ኣይለቐቑን።

45 እቶም ኣብቲ ኸረን ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ቀጥቀጥዎም።