ዘሌዋውያን 8
1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
2 ንኣሮን፡ ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልባስን ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን እቶም ክልተ ድዑልን እቲ መሶብ ቅጫን ውሰድ።
3 ንብዘሎ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣክቦ።
4 ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከበ።
5 ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባ፥ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ በለ።
6 ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም።
7 ቀምሽ ታሕቲ ድማ ኣእተወሉ፡ ቅናትውን ኣቐነቶ፡ ቀምሽ ላዕሊ ከዲኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ድማ ኣቐነቶ፡ ብእኡውን ኣብ ልዕሊኡ ኣትሐዞ።
8 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፡ ናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቱሚምን* ገበረሉ።
9 ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያውን ብሸነኽ ቅድሚት ብሊቃ ወርቂ፡ እቲ ቅዱስ ኣኽሊል፡ ገበረሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ።
10 ሙሴ ድማ ዘይቲ ቕብኣት ወሲዱ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዝነበረ ዂሉን ቀብኦ፡ ቀደሶ ኸኣ።
11 ካብኡ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሾብዓተ ሳዕ ነጸገ፡ ምእንቲ ኪቕድሶውን ንመሰውእን ንዂሉ ኣቓሑኡን ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቀብኦ።
12 ናብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብ ዘይቲ ቕብኣት ከዐወሉ፡ ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ።
13 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኸዲኑ ኸኣ ቅናውቲ ኣቐነቶም፡ መጠምጠምያታትውን ገበረሎም።
14 ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ።
15 ሐረዶ ድማ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በጻብዑ ለኸየ እሞ ነቲ መሰውኢ ኣንጽሆ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኸዐዎ፡ ንምትዕራቑ ድማ ቀደሶ።
16 ንዂሉ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዝነበረ ስብሕን ቋንጡጥ ከብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሔንን ወሰደ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ።
17 ነቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
18 ነቲ ድዑል ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።
19 ሙሴ ድማ ሐሪዱ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
20 ነቲ ድዑል ድማ በብኽፍሉ ቘራረጾ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቘረርጽን ነቲ ስብሕን ኣሕረሮ።
21 ነቲ ናውቲ ኸብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሐጸቦ። ሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ንጥዑም ጨና እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ዀነ። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ዀነ።
22 ነቲ ኻልኣይ ድዑል ከኣ፡ እቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ኣቕረበ፡ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።
23 ሙሴ ድማ ሐሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፡ ንኣሮን መስቈር የማነይቲ እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸዮ።
24 ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ሙሴ ኸኣ ካብቲ ደም ኣብ መስቈር የማኖት ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየ። ነቲ ደም ከኣ ሙሴ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ።
25 ነቲ ስብሕን ኰልኰልን ኲሉ እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ቛንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሔንን የማነይቲ እግርን ወሰደ።
26 ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበዂዔ እንጌራ ዝሐዘ መሶብ ድማ ሓደ ቕጫን ሓደ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ።
27 እዚ ዂሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ።
28 ሙሴ ድማ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ምቕዳስ ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኰነ።
29 ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብቲ ድዑል ምቕዳስ እዚ ግደ ሙሴ ገበረ።
30 ሙሴ ድማ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ነጸገ እሞ ንኣሮንን ነልባሱን ንደቁን ነልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ቐደሰ።
31 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን በሎም፥ ነዚ ስጋ ኸምቲ ኣነ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኴንኩም ኣብስልዎ እሞ ምስቲ ኣብ መሶብ ምቕዳስ ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ዄንኩም ብልዕዎ።
32 ካብቲ ስጋን እንጌራን ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ።
33 ምቕዳስኩም ሾብዓተ መዓልቲ ኪቕድሰኩም እዩ እሞ፡ መዓልትታት ምቕዳስኩም ክሳዕ ዚመልኣ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።
34 ንመተዓረቒኹም ድማ ከምዚ ሎሚ እተገብረ ኸምኡ ኸኣ ኪግበር፡ እግዚኣብሄር ኣዘዘ።
35 ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሾብዓተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተቐሚጥኩም፡ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሐልዉ።
36 ኣሮንን ደቁን ድማ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ ዂሉ ነገር ገበሩ።