ድጒዓ ኤርምያስ 2
1 ከመይ ኢሉ ዀን እግዚኣብሄር ብዂራኡ ንጓል ጽዮን ብደበና ኣጐልበባ። ንኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ኸኣ ንድኳ ኣእጋሩ ኣይዘከረን።
2 እግዚኣብሄር ንዂሉ መሓድር ያእቆብ ብዘይ ምሕረት ወሐጦ፡ ብቚጥዓኡ ንዕርድታት ጓል ይሁዳ ኣፍረሶ፡ ኣሕመድመዶ፡ መንግስትን መሳፍንታን ከኣ ኣርከሰ።
3 በቲ ጒሁር ኲራኡ ድማ ንዂሉ ቐርኒ እስራኤል ሰልዔ፡ ካብ ጸላኢ ኸኣ ንየማነይቱ መለሳ፡ ከምቲ ንኸባቢኡ ዚልቚምጽ ሃልሃልታ ሓዊ ንያእቆብ ሞዂ ኣበሎ።
4 ከም ጸላኢ ቐስቱ ገተረ፡ ከም ወደረኛ የማኑ ኣልዐለ፡ ንዓይኒ ዜብህግ ዘበለ ቐተለ፡ ኣብቲ ድንኳን ጓል ጽዮን ነድሩ ኸም ሓዊ ኸዐወ።
5 እግዚኣብሄር ከም ጸላኢ ዀነ፡ ንእስራኤል ወሐጣ፡ ንዂሉ ኣዳራወታ ወሐጦ፡ ንዕርድታታ ኣፍረሶ፡ ኣብ ጓል ይሁዳ ኸኣ ዋይዋይን ቊዝማን ኣብዝሔ።
6 ድንኳን ኸም ኣታኽልቲ መንቈሰ፡ ንስፍራ መኣከቢኡ ኣፍረሰ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ንበዓልን ሰንበትን ኣረስዖ፡ ብዂራ ነድሩውን ንንጉስን ካህንን ኣቃለለ።
7 እግዚኣብሄር መሰውኢኡ ደርበየ፡ መቕደሱውን ንሕርሚ ወፈየ፡ ቀጽሪ ኣዳራወታ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ኣሕለፈ፡ ከም ብመዓልቲ በዓል ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓው ኢሎም ጨደሩ።
8 እግዚኣብሄር ንቐጽሪ ጓል ጽዮን ኬፍርስ መደበ፡ ገመድ መለክዒ ዘርግሔ፡ ካብ ምጥፋእሲ ኢዱ ኣይመለሰን። ሓጹርን ቀጽርን ኣሕዘነ፡ ኲሉ ብሓደ ማሰነ።
9 ደጌታታ ኣብ ምድሪ ጠሐለ፡ ንመሃርሃሪታታ ኣብረሶ፡ ሰባበሮ፡ ንጉሳን መሳፍንታን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣለዉ፡ ደጊም ሕጊ የልቦን። ነብያታውን ራእይ ካብ እግዚኣብሄር ኣይረኽቡን።
10 እቶም ዓበይቲ ጓል ጽዮን ትም ኢሎም ኣብ ምድሪ ይቕመጡ ኣለዉ፡ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስነሱ፡ ከሊውን ለበሱ። ደናግል ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።
11 ብምኽንያት ጒድኣት ጓል ህዝበይ ሕጻናትን ዕሸላትን ኣብ ኣደባባያት ከተማ ስለ ዘሕለለዉ፡ ኣዒንተይ ብንብዓት ተበላሸወ፡ ኣምዑተይ ተዀሰ፡ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዂዖ።
12 ኣበይ ኣሎ እኽልን ወይንን? እናበሉ ነዴታቶም ይሐቱ፡ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ኸም ውጉኣት ኣሕለልዮም ራዕ ይብሉ ኣለዉ፡ ነፍሶም ናብ ሕቚፊ ኣዴታቶም ትኲዖ ኣላ።
13 ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፡ እንታይ ክምስክረልኪ? ብምንታይ እሞ እየ ዘምዓራርየኪ? ከጸናንዓክስ ብምንታይ እየ ዝምስለኪ? ኣቲ ድንግል ጓል ጽዮን፡ መስበርትኺ ዓብዪ ኸም ባሕሪ እዩ እሞ፡ መን የሕውየኪ?
14 ነብያትኪ ኸንቱን ጥበራን ረኣዩልኪ፡ ንግራት ከንቱነትን ምርኮን ረኣዩልኪ እምበር፡ ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ኣበሳኺ ኣይቀልዑልክን።
15 ኲሎም ሓለፍቲ መገዲ ንጓል ኢየሩሳሌም፡ እዚኣዶ እያ እታ ፍጹም ዝመልክዓ፡ ሓጐስ ኲሉ ምድሪ እትብሀል ከተማ? ኢሎም ይፋጽዩላ፡ ርእሶም ይንቕንቑላ፡ ኣላጊጾም ኣእዳዎም የጣቕዑላ።
16 ኲሎም ጸላእትኺ ኣፎም ኣባኺ ይኸፍቱ፡ ውሒጥናያ፡ ብሓቂ እዚኣስ እታ እተጸቤናያ መዓልቲ እያ፡ ኣርከብናላን ርኤናያን፡ ኢሎም እናፋጸዩ ኣስናኖም ይነኽስኩ ኣለዉ።
17 እግዚኣብሄር ነቲ ዝሐለኖ ገበረ፡ ነቲ ኻብ ጥንቲ ሒዙ ዝነገረሉ ቓል ፈጸመ። ኣፍረሰ እሞ ኣይደንገጸን፡ መሓጐስ ጸላኢውን ገበረኪ፡ ቀርኒ ተጻረርትኺ ኣልዐለ።
18 ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ፡ ኣቲ ቐጽሪ ጓል ጽዮን፡ ለይትን መዓልትን ከም ውሒዝ ኴንኪ፡ ንብዓት ኣውሕዚ፡ ከቶ ኣይትዕረፊ፡ መርዓት ዓይኒኺ ኣይተዕርፊ።
19 ኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢ፡ ብለይቲ ጨድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ከዐዊ። ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ ጠምዮም ዜሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።
20 ጐይታየ፡ ርኤ እሞ ጠምት፡ ንመንከ ኸምዚ ገበርካዮ? ኣንስቲዶ ፍረ ማሕጸነን ዚሐቚፋኦም ሕጻናት ይበልዓ? ካህንን ነብይንዶ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይሕረዱ?
21 ቈልዑን ኣረገውትን ኣብ መሬት ኣብ ኣደባባያት ተራዒቶም ኣለዉ፡ ጐረዞይን ኣጒባዘይን ከኣ ብሰይፊ ወደቑ። ብመዓልቲ ዂራኻ ቐተልካዮም፡ ብዘይ ድንጋጽ ሐረድካዮም።
22 ንመፍርህየይ ካብ ኲሉ ወገን ከም ብመዓልቲ በዓል ጸዋዕካለይ። ብመዓልቲ ዂራ እግዚኣብሄር ዜምልጥን ዚተርፍን የልቦን። ነቶም ዝሐቘፍክዎምን ዘዕቤኽዎምን እቲ ጸላእየይ ኣጽነቶም።