ኢያሱ 21
1 እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ እያሱ ወዲ ነዌን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀሪቦም፡
2 ንሕና እንነብረለን ከተማታትን እቲ ኸባቢኤን ድማ ንማልና ዚኸውን ኵህቡና፡ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ኣዙዙ እዩ፡ ኢሎም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣብ ሺሎ ተዛረብዎም።
3 ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ሀብዎም።
4 ንዓሌታት ቀሃታውያን ከኣ ዕጭ ወጸሎም፡ ነቶም ካብ ሌዋውያን ዝነበሩ ደቂ ኻህን ኣሮን ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦናውያንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕጭ ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ በጽሖም።
5 ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ በጽሖም።
6 ንደቂ ጌርሾን ከኣ ካብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ባሳን ብዕጭ ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ በጽሖም።
7 ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተው ክልተ ኸተማ በጽሖም።
8 ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ እዘን ከተማታት እዚኤን መምስ ከባቢኤን ንሌዋውያን ብዕጭ ሀብዎም።
9 ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ድማ እዘን ብስመን እተሰምያ ኸተማታት ሀቡ።
10 ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፡ ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፡ ቀዳማይ ዕጭ ናቶም ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ኰነ።
11 ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ቂርያት-ኣርባ፡ ኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮን፡ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣ ሀብዎም።
12 ግርሁ እታ ኸተማን ኣቚሻታን ግና ንካሌብ ወዲ የፉነ ርስቲ ሀብዎ።
13 ንደቂ ኻህን ኣሮን ከኣ እታ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ኬብሮን ምስ ከባቢአን ሊብና ምስ ከባቢአን ሀብዎም።
14 ያቲር ምስ ከባቢአን ኤሽትሞዓ ምስ ከባቢኣን፡
15 ሖሎን ምስ ከባቢኣን ደቢር ምስ ከባቢኣን፡
16 ዓይን ምስ ከባቢኣን ዮጣህ ምስ ከባቢኣን ቤት-ሸመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን፡ ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኸተማ።
17 ካብ ነገድ ብንያም ድማ ጊብዖን ምስ ከባቢኣን ጌባዕ ምስ ከባቢኣን፡
18 ዓናቶት ምስ ከባቢኣን ዓልሞን ከኣ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
19 ኵለን ከተማታት እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት መምስ ከባቢኤን።
20 ነቶም ዓሌታት ደቂ ቀሃት ሌዋውያን፡ እቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት፡ ድማ ከተማታት ዕጮም ካብ ነገድ ኤፍሬም በጽሖም።
21 እታ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ሴኬም ምስ ከባቢኣን ጌዘር ምስ ከባቢኣን፡
22 ቂብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤት-ሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ፡ ኣርባዕተ ኸተማ ሀብዎም።
23 ካብ ነገድ ዳን ከኣ ኤልትቄ ምስ ከባቢኣን፡ ጊብቶን ድማ ምስ ከባቢኣን፡
24 ኣያሎን ምስ ከባቢኣን ጋት-ሪሞን ከኣ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
25 ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ታዓናክ ምስ ከባቢኣን ጋት-ሪሞንውን ምስ ከባቢኣን፡ ክልተ ኸተማ።
26 ናይቶም ካብ ደቂ ቀሃት ዝተረፉ ዓሌታት ኵለን ከተማታት መምስ ከባቢኤን ዓሰርተ እየን።
27 ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌርሾን ከኣ ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ጎላን ምስ ከባቢኣን ቤ-ዔሽትራ ምስ ከባቢኣን፡ ክልተ ኸተማ።
28 ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂሽዮን ምስ ከባቢኣን ዳብራት ምስ ከባቢኣን፡
29 ያርሙት ምስ ከባቢኣን ዔን-ጋኒም ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
30 ካብ ነገድ ኣሴር ከኣ ሚሽኣል ምስ ከባቢኣን ዓብዶን ምስ ከባቢኣን፡
31 ሔልቃት ምስ ከባቢኣን ሬሖብ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
32 ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ምስ ከባቢኣን ሓሞት-ዶር ምስ ከባቢኣን ቃርታን ምስ ከባቢኣን፡ ሰለስተ ኸተማ።
33 ኵለን ከተማታት ጌርሾናውያን ከከም ዓሌቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ መምስ ከባቢኤን ሀብዎም።
34 ነቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፡ ዓሌታት ደቂ መራሪ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ድማ ዮቅነዓም ምስ ከባቢኣን ቃርታ ምስ ከባቢኣን፡
35 ዲምና ምስ ከባቢኣን ናሃላል ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ከተማ።
36 ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቤጸር ምስ ከባቢኣን ያህጻ ምስ ከባቢኣን፡
37 ቄዴሞት ምስ ከባቢኣን ሜፋዓት ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ።
38 ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ራሞት ኣብ ጊልዓድ ምስ ከባቢኣን ማሃናይም ምስ ከባቢኣን፡
39 ሔስቦን ምስ ከባቢኣን ያዕዜር ምስ ከባቢኣን፡ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማ።
40 ኵለን እዘን ከተማታት እዚኤን ናይቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም እየን፡ ዕጮም ከኣ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ እየን።
41 እተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማ መምስ ከባቢኤን እየን።
42 እዘን ከተማታት እዚኤን ነንኸተማ ኣብ ዙርያኣ ኸባቢ ነበራ ኵለን እዘን ከተማታት እዚኤን ከምኡ ነበረን።
43 እግዚኣብሄር ከኣ እታ ነቦታቶም ኵህቦም ዝመሐለሎም ኵላ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሀቦም። ወሪሶም ከኣ ተቐመጥዋ።
44 እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሐለሎም ብዅሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም። ካብ ኵሎም ጸላእቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣይበለን፡ እግዚኣብሄር ኵሎም ጸላእቶም ኣብ ኢዶም ሀቦም።
45 ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን፡ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ።