ዮኤል 3

1 እንሆ ኸኣ፣ በተን መዓልታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትንን ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም፣

2 ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ እተማቐልዋ ኣህዛብ፣ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኺኣቱስ፣ ንዅሎም ህዝብታት ክእክቦም፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ።

3 ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉ፣ ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቘልዓ ሀቡ፣ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ ሰተዩ ኸኣ።

4-6 - ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፣ ምሳይ እንታይ ኣሎኩም∶ ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም፣ ነቲ ዜብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከኣ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፣ ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ኢየሩሳሌምን ከኣ ካብ ዶቦም ከተርሕቕዎምሲ፣ ናብ ደቂ ዮናናውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ፣ ፍዳዶ ክትፈድዩኒ ኢኹም∶ ምንም እኳ ፍዳ እንተ ፈዴኹምኒ፣ ኣነ ቐልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።

7 እንሆ፣ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፣ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።

8 ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፣ ናብ ሰብ ሳባ ኺሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ትዛሪብዎ እዩ።

9 እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውጁ፣ ውግእ ኣዳልዉ፣ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፣ ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፣ ይውጽኡ።

10 ማሕረሻኹም ሰይፊ፣ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፣ ኣነ ጅግና እየ፣ ይበል።

11 ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኵልኹም ህዝብታት፣ ቀልጥፉ፣ ንዑ ተኣከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብኡ ጀጋኑኻ ኣውርዶም።

12 ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፣ ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ፣ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፣ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡ።

13 እከዮም ስለ ዝዐበየ፣ ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፣ ማዕጺድ ስደዱ፣ እቲ መጽመቝ መሊኡ፣ ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ ኣሎ እሞ፣ ንዑ ርገጹ።

14 መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፣ ጭፍራ፣ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ።

15 ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ፣ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ።

16 እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፣ ድምጹ ኻብ ኢየሩሳሌም የስምዕ፣ ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ፣ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ።

17 ኣነ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፣ ክትፈልጡ ኢኹም። ኢየሩሳሌም ከኣ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይኪሐልፍዋን እዮም።

18 በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ኪነትዑ፣ ኵርባታት ድማ ጸባ ኬውሕዙ፣ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ኪብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ኪፍልፍል፣ ንለሰ ሽጢም ድማ ኬስትያ እዩ።

19 ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፣ ብሰሪ እቲ ንደቂ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻ፣ ግብጺ ኽትባድም፣ ኤዶም ከኣ ጽምጽም በረኻ ኽትከውን እያ።

20 ይሁዳ ግና ንዘለኣለም ትነብር፣ ኢየሩሳሌም ከኣ ንውሉድ ወሎዶ።

21 ኣነ ድማ ነቲ ዘየጽሬኽዎ ደሞም ከጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።