ዕንባቆም 2
1 ብዛዕባ እቲ ኽትዔይ ንሱ እንይታ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተጠንቂቐ ኽርእስ፣ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል፣ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ።
2-3 እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ ኣሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጕየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
4 እንሆ፣ ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኣውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር።
5 ወይኒ ኸኣ መጋገዪ እዩ፣ እቲ ዕቡይ ሰብ ኣብ ስፍራኡ ኣይሀድእን፣ ነፍሱ ኸም ሲኦል የግፍህ፣ ከም ሞት እዩ እሞ ኣይጸግብን፣ ንዅላቶም ኣህዛብ ናብኡ ይእክቦም፣ ንዅላቶም ህዝብታት ከኣ ናብኡ ይኣካኽቦም።
6 እዚኣቶም ኵላቶም፣ እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፣ ኣብ ረእሱ ኸኣ ዕርቡን ዚጸውር ወይለኡ፣ ክሳዕ መኣዝከ እዩ∶ እናበሉ ብምስላን ብምሳሌ ጸርፍንዶ ኣየልዕልዎን እዮም∶
7 እቶም ዚነኽሱኻዶ ብድንገት ኣይትንስኡን∶ እቶም ዚንዝንዙኻስ ኣይነቕሑንዶ እዮም∶ ንስኻውን ዘመቲኦም ክትከውን ኢኻ።
8 ንስኻ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፣ እቶም ዝተረፉ ህዝብታት ድማ ኵላቶም ንኣኻ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን ኪዘምቱኻ እዮም።
9-11 -እምኒ ካብ መንደቕ ኬእዊ፣ እቲ መጋጠሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኺመልሰሉ እዩ እሞ፣ እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል፣ ካብ ኢድ መዓት ከኣ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ ወይለኡ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላ፣ ንነፍስኻውን ሓጣእካ።
12-14 -ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባህሪ ዜጐልብቦ፣ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፣ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፣ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፣ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩ፣ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን∶
15-17 -ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን፣ እቲ ንሊባኖስ ዝዐመጽካያን እቲ ንእንስሳታት ዜስክሕ ጥፍኣት ዝገበርካዮን ኬጐልብበካ እዩ እሞ፣ እቲ ንብጻዩ ዜስትዮን፣ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወይለኡ። ንስኻ ድማ ስተ፣ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፣ እቲ ጽዋእ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፣ ኣብ ሊዕሊ ኽብርኻ ድማ ነውራም ትፉእ ኪዀነካ እዩ።
18 እቲ ቐራጺኡ ዚቐርጾ ቕሩጽ ምስልስ እንታይ ይጠቅም∶ እቲ ዓያዪ ዓባስ ጣኦታት ገይሩ ብዕዮኡ ዚእመንከ እቲ ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትን እንታይ ይጠቅም∶
19 እቲ ንዕጨይቲ፣ ንቓሕ፣ ንዓባስ እምኒ ኸኣ፣ ተንስእ፣ ዚብል ወይለኡ። ንሱዶ ይምህር እዩ∶ እንሆ፣ ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ልቡጥ እዩ።
20 ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፣ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።