ገላትያ 4

1-2 ኣነ ግና እብል አሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቍልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዅሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን።

3 ከምእውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቝልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና።

4-5 ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።

6 ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ።

7 ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።

8 ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም።

9 ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧

10 መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም።

11 ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ።

12 ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም አሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን።

13 ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።

14 ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዓቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን።

15 ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኩም ኣውጺእኩም እኳ ምሃብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኣበይ ደኣ አሎ ብጽእናኹም፧

16 እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ፧

17 ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኸልክሉኹም ይደልዩ አለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰነን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ።

18 ግናኸ ምሳካትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ።

19 ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም አሎኹ።

20 ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ አሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ።

21 ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ እስኪ ንገሩኒ።

22 ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ።

23 ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ።

24 እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኺዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ።

25 ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ ኢየሩሳሌም ትመስል።

26 እታ ናይ ላዕሊ ኢየሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ።

27 ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዓርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡

28 ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና።

29 ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ።

30 እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ።

31 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን።