ዘዳግም 2
1 ካብኡ ተመሊስና ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ንበረኻ ገጽና ተጕዐዝና። ንኸረን ሰዒር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።
2 እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡
3 ነዚ ኸረንዚ ምዛር ይኣኽለኩም፡ ንሰሜን ገጽኩም ተመለሱ።
4 ነቶም ህዝቢውን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ብዶብ እቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ኣሕዋትኩም፡ ደቂ ኤሳው፡ ክትሐልፉ ኢኹም፡ ንሳቶም ይፈርሁኹም እዮም፡ ተጠንቀቑ ደኣ፡
5 ኣይተዋግእዎም፡ ከረን ስዒርሲ ንኤሳው ርስቲ ሂበዮ እየ እሞ፡ ካብታ ምድሮም መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ።
6 እንጌራ ኻባታቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ብልዑ፡ ማይውን ካባታቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ስተዩ።
7 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዂሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ንሱ በዚ ዓብዪ በረካ እዚ ምጕዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።
8 ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሐሊፍና ድማ፡ ካብታ መገዲ ጐልጐልን ካብ ኤላትን ካብ ዔጽዮን-ገበርን ኣግለስና። ገጽና መሊስና ኸኣ ብመገዲ በረኻ ሞኣብ ሐለፍና።
9 እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ምድሪ ዓር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፡ ካብ ምድሮም ርስቲ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ንሞኣባውያን ኣይተዕገርግሮም ኣይትዋግኣዮምውን።
10 ቀደም ሓደ ዓብዪን ብዙሕን ከም ዓናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቚመቱ ህዝቢ ኤሚም፡ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ።
11 ከም ዓናቃውያን ዝበሉ፡ ንሳቶም ከኣ ረፋውያን፡ ይቚጸሩ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ይብልዎም ነበሩ።
12 ሖራውያን ድማ ቀደም ኣብ ሰዒር ተቐሚጦም ነበሩ፡ ደቂ ኤሳው ግና፡ ከምቲ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ርስቶም ዝገበርዋ፡ ሰጒጎም ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ስፍራኦም ድማ ተቐመጡ።
13 ሕጂ ተንስኡ ርባ ዘሬድ ከኣ ተሳገሩ። ርባ ዘሬድ ድማ ተሳገርና።
14 እቲ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ኽሳዕ ርባ ዘሬድ እንሳገር ዝኸድናሉ ዘበን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎም፡ ወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ ማእከል ሰፈር ክሳዕ ዚጠፍእ፡ ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ኰነ።
15 ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ክሳዕ ዚውድኡ፡ ካብ ማእከል እቲ ሰፈር ከተጥፍኦም ኣብኦም ነበረት።
16 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኲሎም ካብ ማእከል ህዝቢ ሞይቶም ምስ ተወድኡ፡
17 እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡
18 ሎሚ ንስኻ ብዓር፡ ዶብ ሞኣብ፡ ክትሐልፍ ኢኻ።
19 ናብ መንጽር ደቂ ዓሞን ምስ ቀረብካ፡ ኣይተዕገርግሮም፡ ኣይትዋግኣዮም ድማ። ንደቂ ሎጥ ንርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ካብ ምድሪ ደቂ ዓሞን እትርስተዮ ገለ እኳ ኣይህበካን እየ።
20 እዚኣ ድማ ቀደም ረፋውያን ስለ ዝነበርዋ፡ ሃገር ረፋውያን ተቘጽረት፡ ዓሞናውያን ግና ዛምዙሚም ይብልዎም ነበሩ።
21 ከም ዓናቃውያን፡ ዓብዪን ብዙሕን ነዊሕ ዝቚመቱን ህዝቢ እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍኦም እሞ፡ ንኣታቶም ሰጒጎም፡ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።
22 ኣብ ሰዒር ንዚነብሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፡ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኦም ምስ ኣጥፍኤ ንኣታቶም ሰጒጎም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ።
23 ነቶም ኣብ ዓድታት ክሳዕ ጋዛ ዝነበሩ ዓዊም ድማ፡ ካብ ካፍቶር ዝወጹ ካፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፡ ኣብቲ ስፍራኦም ከኣ ተቐመጡ።
24 ተንስኡ፡ ተጕዐዙ፡ ለሰ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ። ሲሆን ኣሞራዊ፡ ንጉስ ሔስቦንን ምድሩን፡ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ምውራሳ ጀምር፡ ምስኡ ኸኣ ተዋጋእ።
25 ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዚነብሩ ዂሎም ህዝብታት፡ ካብ ሎሚ ጀሚረ ምሽባርካን ፍርሃትካን ከውርደሎም እየ። ወሬኻ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ የንቀጥቅጡ ራዕዲ ድማ ይሕዞም።
26 ካብ በርኻ ቀደሞት ድማ ናብ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ከምዚ ኢለ ልኡኻት ምስ ናይ ሰላም ዘረባ ሰደድኩሉ፡
27-29 ከምቲ ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚነብሩ ሞኣባውይንን ዝገበሩለይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ፡ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር፡ የማነ ጸጋም ከየግለስኩ ብመገደ መገዲ ክኸይድ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ዝበልዖ እንጌራ ብገንዘብ ሽጠለይ፡ ዝሰትዮ ማይ ከኣ ብገንዘብ ሀበኒ፡ ሓንትስ ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ፡ በልክዎ።
30 ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድካ ኺህበካ፡ ንመንፈሱ ኣትረሮ ንልቡ ኸኣ ተጻራሪ ገበሮ እሞ፡ ኬሕልፈና ኣይፈተወን።
31 እግዚኣብሄር ከኣ፡ እንሆ ንሲሆንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ኽህበካ ጀመርኩ እሞ፡ ንምድሩ ምእንቲ ኽትርስተያ፡ ምውራሳ ጀምር፡ በለኒ።
32 ሲሆን ድማ፡ ንሱን ኲሉ ህዝቡን፡ ናብ የሃጽ ንምውጋእና ኺቃባበለና ወጸ።
33 እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና፡ ንእኡን ንደቁን ንዂሉ ህዝቡን ከኣ ወቓዕናዮም።
34 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኲለን ከተማታቱ ወሰድና፡ ኲለን ከተማታት ምስናይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ ኸየትረፍን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም።
35 እተን ዝዘመትናየን ማል ጥራይ ምስቲ ኻብ ከተማታት ዝገፈፍናዮ ንኣና ወሰድና።
36 ካብታ ኣብ ገምገም ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ለሰ ዘላ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ጊልኣድ ሓንቲ ኸተማ እኳ ብምንዋሓ ዝጸንዓትና ኣይነበረትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዂለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሀበና።
37 ጥራይ ምድሪ ደቂ ዓሞን፡ ኲሉ ወገን ርባ ያቦቅን ኣብ ከረን ዝነበራ ኸተማታትን እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና ዘበለ ዂሉ ኣይቀረብካን።