ዳንኤል 9
1 ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፣ ኣብ መንግስቱ ከለዳውያን ከኣ ንጉስ ዝዀነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፣
2 ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልኩዎ፣ ማለት ምዕናው ኢየሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ።
3 ብማቕን ብሓመዅስትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ።
4 ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ኢለ ለመንኩን ተናዘዝኩን፣ ዎ ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፣
5 ንሕና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና።
6 ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን።
7 ጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ንኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ።
8 እወ፣ ጐይታየ፣ በዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትና፣ ንመሳፍንትና፣ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ።
9 ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።
10 ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣይሰማዕናን፣ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን።
11 ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፣ ደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰ። በዲልናዮ ኢና እሞ፣ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና።
12 ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ።
13 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፣ እዚ ዅሉ መዓት ወረደና ግናኸ ካብ ኣበሳና ኽንምለስ፣ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን።
14 እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ጻድቕ እዩ፣ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፣ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ።
15 ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፣ ንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፣ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፣ ንሕና ኣበሳና፣ እኩይ ገበርና።
16 ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን ኢየሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፣ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ ኢየሩሳሌም፣ እታ ቅድስቲ ደብርኻ፣ ከተምልስ እልምነካ ኣሎኹ።
17 ዎ ኣምላኽና፣ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ።
18 እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት።
19 ጐይታየ፣ ስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብ፣ ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር፣ ኣይትደንጕ።
20 ክዛረብ፣ ክጽሊ፣ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፣ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፣
21 ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፣ ቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ።
22 መሀረኒ፣ ተዛረበኒ፣ በለውን፣ ዳንኤለየ፣ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ።
23 ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፣ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምብኣርስ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፣ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ።
24 ንዕልወት መወዳእታ ኺግበሮ፣ ሓጢኣት ኪውዳእ፣ ኣበሳ ኺዕረቕ፣ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ኺኣቱ፣ ራእይን ትንቢትን ኪሕተም፣ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፣ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ።
25 እምብኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፣ እቲ ኢየሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ፣ መስፍን፣ ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፣ ጊዜ ጸበባ ኽነሱ፣ ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ።
26 ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ፣ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ከኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፣ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፣ ጥፍኣታውን ምዱብ እዩ።
27 ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።