ግብሪ ሃዋርያት 9
1-2 ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንኢየሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ።
3 ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ።
4 ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዔ።
5 ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ ኢየሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዚገደካ፡ በሎ።
6 ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሄን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካውን፡ ኣብኡ ኺነግሩኻ እዮም፡ በሎ።
7 እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ።
8 ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረኣየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።
9 ከይረኣየን ከይበልዔን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።
10 ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዚብሀል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ።
11 ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዚብሀል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዚብሀል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡
12 ንሱውን ሃናንያ ዚብሀል ሰብኣይ ኣትዩ፡ ምእንቲ ኺርኢ ኢዱ ኼንብረሉ ብራእይ ርእዩ ኣሎ፡ በሎ።
13 ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዔ ኣሎኹ።
14 ኣብዚ ድማ ስምካ ንዚጽውዑ ዂላቶም ኪኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ፡ ኢሉ መለሰ።
15-16 ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ።
17 ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና ኢየሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ።
18 ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ፡ ተንሲኡውን ተጠምቀ።
19 ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዔ። ሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ።
20 ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ ኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ።
21 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዚጽውዑ ዘበሉ ዜጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ድማ፡ ናብዚ ዝመጸን፧ በሉ።
22 ሳውል ግና እናበርትዔ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ ኢየሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።
23 ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ሐቢሮም ተማኸሩ።
24 ሳውል ግና ምኽሮም ፈለጠ። ምእንቲ ኪቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ።
25 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ።
26 ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ።
27 በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሀረን ነገሮም።
28 ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ።
29 ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ደለዩ።
30 እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።
31 ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት።
32 ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኺዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቅዱሳን ወረደ።
33 ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ፡ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ።
34 ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ።
35 ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዚነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ።
36 ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሀል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ።
37 ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሐሚማ ሞተት። ሐጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ።
38 ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖም፡ ክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾም፡ ከይደንጐየ ናባታቶም ኪመጽእ ለመንዎ።
39 ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ።
40 ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረአየቶውን፡ ኮፍ በለት።
41 ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ።
42 እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ።
43 ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ።