2ይ ጢሞቴዎስ 2
1 ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል።
2 እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም።
3 ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።
4 ዓቀይታይ ናብ ኵናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን።
5 ከምእውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ።
6 እቲ ዚዓዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቕድም ግዲኡ ኺወስድ ይግባኦ እዩ።
7 እግዚኣብሄር ብዅሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ።
8 ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ካብ ምዉታትውን ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።
9 ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቘጺረ ኽሳዕ መቝሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ አሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ።
10 ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዅሉ እዕገስ አሎኹ።
11 እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና።
12 እንተ ተዓገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሐድናዮ፡ ንሱውን ኪኽሕደና እዩ።
13 ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይከአሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዚነብር።
14 ነቶም ዚሰምዕዎ ዜስሕቶም፡ ረብሓ ብዜብሉ ቓል ከይብኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም።
15 ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
16 ነቲ ፍረ ዜብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡
17 እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ካባታቶም እዮም።
18 ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ።
19 እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ አሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚሰሚ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ።
20 ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን።
21 እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።
22 ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።
23 ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ።
24 ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ።
25 ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡
26 ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።