2ይ ሳሙኤል 20
1 ኣብኡ ኸኣ ሓደ ናይ ብልያል ሰብ፡ ሸባዕ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፡ ብንያማዊ ሰብአይ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፡ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ይመለስ፡ ኢሉ መለኸት ነፍሔ።
2 ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ንዳዊት ካብ ምስዓብ ተመሊሶም፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰዐቡ። እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ኣብ ንጉሶም ለጊቦም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኢየሩሳሌም ሰዐብዎ።
3 ዳዊት ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤቱ መጸ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሰደን፡ ኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐሚጡ ኸኣ፡ ይቕልበን ነበረ። ናባታተን ግና ኣይአተወን። ንሳተን መበለታት ኰይነን ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዐጽየን ነበራ።
4 ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡ ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፡ ንስኻ ከኣ ኣብዚ ተረኸብ፡ በሎ።
5 ሽዑ ዓማሳ ንሰብ ይሁዳ ኬኽትት ከደ፡ ግናኸ ካብቲ ዝመደቦ ጊዜ ደንጐየ።
6 ሽዑ ዳዊት ንኣቢሻይ፡ ሕጂ ሸባት ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ኪኸፍኣና እዩ፡ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፡ ካብ ዓይንና ኸይመልቚሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ፡ በሎ።
7 ሽዑ ናይ ዮአብ ሰባትን እቶም ክረታውያንን ጵለታውያንን ኲሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒዎ ኸኣ ካብ ኢየሩሳሌም ወጹ።
8 ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ መጺኡ ተራከቦም። ዮአብ ድማ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ ተዐጥቀ፡ ብልዕሊኡ ኸኣ ኣብ ምሕኲልቱ ሴፍ ምስ ሰገባኡ ተኦአጢቑ ነበረ። ንሱ ኪኸይድ ከሎ ድማ እቲ ሴፍ ወደቐ።
9 ዮአብ ድማ ንዓማሳ፡ ደሓንዶ ኣሎካ ሓወይ፡ ኢሉ፡ ኪስዕሞ ብየማነይቲ ኢድ ጭሕሙ ሓጾ።
10 ዓማሳ ግና ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሴፍ ኣይተጠንቀቐሉን እሞ፡ ንሱ ብእኡ ገይሩ ከብዱ ወግኦ፡ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሔ፡ ካልኣይ ከይወግኦ ኸኣ ሞተ፡ ዮአብን ኣቢሻይን ሓዉን ድማ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰጐጒዎ፡
11 ሓደ ሰብአይ ካብ ገላዉ ዮአብ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ቘይሙ፡ ፈታው ዮኣብ ዝዀነን ንዳዊት ኪኸውን ዝደለየን ደድሕሪ ዮኣብ ይስዓብ፡ ይብል ነበረ።
12 ዓማሳ ከኣ ኣብ ማእከል መገዲ ኣብቲ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ፡ እቲ ሰብአይ ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው ከም ዝበለ ረአየ፡ ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ከም ዚብል ምስ ረአየ ኸኣ፡ ንዓማሳ ኻብ መገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሓሉ።
13 ካብ መገዲ ምስ ኣልዐልዎ ግና፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኺሰጒጒ ኲሉ ሰብ ደድሕሪ ዮኣብ ሐለፈ።
14 ንሱ ድማ ብዂሎም ነገዳት እስራኤል ገይሩ ናብ ኣቤልን ቤት-ማዓካን ናብ ኲሎም በሪያውያን ሐለፈ። ንሳቶም ድማ ተአኪቦም ደድሕሪኡ መጹ።
15 መጺኦም ከኣ ኣብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ ኸበብዎ፡ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዚቐውም ድልድል ደልደሉላ። እቲ ምስ ዮአብ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ድማ ነቲ መንደቕ ኬውድቖ የፍርሶ ነበረ።
16 ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ፡ ስምዑ፡ ስምዑ፡ በጃኹም ንዮአብ፡ ክዛረበካ ኽሳዕ ናብዚ ቕረብ፡ በሉለይ፡ ኢላ ጨደረት።
17 ንሱ ኸኣ ናብኣ ቐረበ፡ እታ ሰበይቲ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ በለቶ፡ ንሱ ኸኣ፡ እሰምዕ ኣሎኹ፡ በሎ።
18 ንሳ ድማ፡ ቀደም፡ ምኽሪ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ፡ ይበሀል ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ተፈጸመ።
19 ኣነስ ኣብ እስራኤል ሰላማዊትን እምንትን እየ፡ ንስኻከ ነዛ ኣብ እስራኤል ከተማን ኣደይ ዝዀነት ከተፍርሳ ትደሊ ኣሎኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ ዘሎኻ ኢላ፡ ተዛረበት።
20 ዮኣብ ድማ፡ እቲ ምውሓጥን ምጥፋእንሲ የርሕቆ፡ ካባይ የርሕቆ።
21 ነገሩ ኸምኡ ኣይኰነን፡ ሸባዕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ቢክሪ ኻብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብ ንጉስ፡ ኣብ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ እዩ እሞ፡ ንእኡ ጠራይ ደአ ሀቡኒ እምበር፡ ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም፡ ኢሉ መለሰ። እታ ሰበይቲ ከኣ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ርእሱ ብመካበብያ ኽንድርብየልካ ኢና፡ በለት።
22 ሽዑ እታ ሰበይቲ ብብልህነታ ናብ ኲሉ ህዝቢ መጸት። ርእሲ ሸባኦ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ድማ ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሔ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ድንኳኑ ፋሕ በለ። ዮአብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ።
23 ዮኣብ ድማ ሓለቓ ዂሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ።
24 ኣዶራም ድማ ዋና ግብሪ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ትሓዝ ደብተር ነበረ።
25 ሸያእ ድማ ጸሓፊ ነበረ፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ።
26 ዒራ ያኢራም ድማ ናይ ዳዊት ካህን ነበረ።