2ይ ነገስት 14
1 ንዮአስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣማስያ ወዲ ዮአስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2 ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ ኢየሩሳሌም እያ።
3 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግናኸ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይኰነን፡ ከምቲ ኣቦኡ ዮአስ ዝገበሮ ዂሉ ደአ ገበረ።
4 ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
5 ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ነቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።
6 ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደአ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ኣብ ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ኣብ ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝአዘዘ፡ ነቶም ደቂ ቐታሎስ ኣይቀተሎምን።
7 ንሱ ንኤዶማውያን ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ሰብአይ ቀተለ፡ ንሴላ ኸኣ ብውግእ ሓዛ፡ ስማ ድማ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፡ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።
8 ሽዑ ኣማስያ ናብ ዮአስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮአሓዝ ወዲ የሁ፡ ንዓ ገጽ ንገጽ ንርእኤ፡ ኢሉ ሊኡኻት ሰደደሉ።
9 ዮአስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለአኸሉ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖስ ጓልካ ሀበኒ፡ ኢሉ ለአኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፈ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጾ።
10 ንኤዶም ርግጽ ስዒርካ፡ ልብኻ ተዐብዩ ኣሎ፡ ክበር፡ ኣብ ቤትካ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ ኽትወድቁሉስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ፧
11 ኣማስያ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ዮአስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት-ሸመሽ ገጽ ንገጽ ተራኣአዩ።
12 ግናኸ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ።
13 ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮአስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ድማ ዮአስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት-ሸመሽ ወሰዶ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ከኣ መጸ፡ ንመካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መአዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ።
14 ነቲ ኣብ ቤት እግዚአብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን ወሰደ፡ ደቂውን ዝሆ ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
15 እቲ ዝተረፈ ዮአስ ዝገበሮ ነገርን መንፎዓቱን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
16 ዮአስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ከኣ ኣብ ሰማርያ ተቐብረ። የሮብዓም ወዱ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
17 ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮአስ፡ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮአሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ።
18 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ አየሎን፧
19 ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ማሕላ ተማሓሐሉ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ላኪሽ ሀደመ፡ ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰደዱ፡ ኣብኡውን ቀተልዎ፡
20 ኣብ ኣፍራስ ክኣ ሰቐልዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐብረ።
21 ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኣዛርያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዶም ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።
22 ንሱ ንኤላት ሰርሓ፡ ድሕሪ ምድቃስ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ድማ ናብ ይሁዳ ኣምለሳ።
23 ንአማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮአስ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ የሮብዓም ወዲ ዮአስ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝኤ።
24 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
25 ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በቲ ኻብ ጋት-ሔፈር ዝነበረ ባርያኡ ነብዪ ዮናስ ወዲ ኣማቲ እተዛረቦ ቓል ነቲ ዶብ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዜእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጐልጐል ኣምለሶ።
26 እዚ እግዚኣብሄር እቲ ጸበባ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፡ እሱር ኰነ ዘይእሱር ድማ ከም እተወድኤ፡ ንእስራኤል ከኣ ረዳኢ ኸም ዜብሉ ስለ ዝረአየ እዩ።
27 እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ ኢሉ አይተዛረበን፡ ስለዚ ብኢድ የሮብዓም ወዲ ዮአስ ኣድሐኖም።
28 እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን መንፍዓቱን፡ ድማ ከመይ ከም እተዋግኤ፡ ነተን ናይ ይሁዳ ዀይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከኣ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
29 የሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።