2ይ ቆሮንቶስ 4

1-2 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቍብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሓዲግና አሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይንሐለልን ኢና።

3 እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸአ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ።

4 እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።

5 ማለት፥ ክርስቶስ ኢየሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ ኢየሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘሎና።

6 እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።

7 ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።

8 ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡

9 ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።

10 ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና።

11 ማለት፥ እታ ህይወት ኢየሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ ኢየሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ።

12 እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ።

13-14 ግናኸ እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ ኢየሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቝመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና።

15 እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኼዕዝዝ፡ ኵሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ።

16-17 እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።

18 እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።