2ይ ዜና መዋዕል 18

1 ዮሳፋጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ። ምስ ኣከኣብ ከኣ ተዋሰበ።

2 ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ናብ ኣከኣብ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣከኣብ ድማ ንእኡን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣላሕምን ሓረደሎም። ናብ ራሞት፦ጊልዓድ ምስኡ ኺድይብ ከኣ ሓባበሎ።

3 ሽዑ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፣ ናብ ርሞት-ጊልዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ? በሎ። ንሱ ድማ፣ ኣነ ኽማኻ እዩ፣ ህዝበይ ከኣ ከም ህዝብኻ እዩ፣ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ እኸይድ፣ በሎ።

4 ዮሳፋጥ ግና ንንጉስ እስራኤል፣ በጃኻ፣ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ደኣ ሕተት፣ በሎ።

5 ሽዑ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት፣ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ፣ ኣኪቡ፣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይስ ክተርፍ? በሎም። ንሳቶም ከኣ፣ ደይብ ደኣ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፣ በሉ።

6 ዮሳፋጥ ከኣ፣ ገናዶ እንሓቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ አልቦን? በለ።

7 ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሓቶ ገና ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ሚክያስ ወዲ ዪምታ እዩ። ግናኸ ንሱ ንኣይ ኵሉሳዕ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣንበየለይን እዩ አሞ፡ ኣነ እጸልኦ እየ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ግና፣ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፡ በለ።

8 ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑ፣ ንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ፡ በለ።

9 እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ዘዝፋኖም ተቐመጡ፣ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ።

10 ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፣ እግዚኣብሄር፣ ንሶርያዉያን ክሳዕ ዚውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ፣ ይብል ኣሎ፣ በሎ።

11 ኵሎም ነብያት ድማ ከምኡ፣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፣ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፣ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።

12 እቲ ንሚክያስ ኪጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፣ እንሆ፣ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ፣ ዘረባኻ ድማ፣ በጃኻ፣ ከም ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ ጽቡቕ ተዛረብ፣ ኢሉ ተዛረቦ።

13 ሚክያስ ግና፣ እቲ ኣምላኸይ ዚብሎ ንእኡ ኸም ዝዛረቦ፣ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፣ በሎ።

14 ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ፣ እቲ ንጉስ፣ ኣታ ሚክያስ፣ ንራሞት ጊልዓድ ኬድናዶ ኽንዎጋእ ወይድ ክተርፍ? በሎ። ብሱ ኸኣ፣ ደይብ፣ ኪቐንዓካ ድማ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ኪወሀቡ እዩም፣ መሎ።

15 እቲ ንጉስ ድማ፣ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፣ ካልእ ከይትዛረበኒ፣ ኣነ ክንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ? በሎ።

16 ንሱ ኸኣ በለ፣ ንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኤኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ፣ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፣ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ፣ በለ።

17 እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፣ እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፣ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻን? በሎ።

18 ሚክያስ ድማ በለ፣ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ብዘሎ ሰራውዊት ሰማይ ከኣ ብየማኑን ብጸጋሙን ቈይሞም ርኤኹ።

19 እግዚኣብሄር ድማ፣ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ኣብኣ ኺወድቕሲ፣ መን ይሓባብሎ? በለ። ሽዑ ሓደ ከምዚ በለ፣ ሓደ ድማ ከምቲ በለ።

20 ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣሄር ደው ኢሉ ድማ፣ ኣነ ኽሓባብሎ፣ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ብምንታይ ጌርካ? በሎ።

21 ንሱ ድማ፣ ወጺኤ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፣ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ንስኻስ ትሓባብሎ ኢኻ፣ ትኽእሎ ድማ፣ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፣ በሎ።

22 ሕጂ ድማ፣ እንሆ፣ ኣብ ኣፍ እዞም ነብያትካ እዚቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ።

23 ሽዑ ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምዕጉርቱ ጸፍዖ እሞ፣ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንዓኻ ኺዛረብ በየናይ መገዲ እዩ ኻባይ ዝሓለፈ? በሎ።

24 ሚክያስ ከኣ፣ እንሆልካ፣ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ ክትርኢ ኢኻ፣ በለ።

25 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለ፣ ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለስዎ፣

26 በሉ ኸኣ፣ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፣ ነዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፣ እንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ።

27 ሚክያስ ድማ መለሰሉ፣ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፣ እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝብታት፣ ኵላትኩም ስምዑ፣ ከኣ በለ።

28 ከምኡ ኸኣ እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።

29 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፤ ኣነ ኽዳውንተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፡ ንስኻ ግና ክዳውንትኻ ተኸደን፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ክዳውንቱ ለዊጡ ናብቲ ውግእ ኣተወ።

30 እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ንሓላቑ ሰረገላታቱ፣ ንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፣ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዕብዪ ኣይትዋግኡ፣ ኢሉ ኣዘዞም።

31 ኰነ ድማ፣ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፣ ንሱ ንጉስ እስራኤል እዩ፣ በሉ፣ ኪዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ዞሩ። ዮሳፋጥ ግና ጨርሔ፣ እግዚኣብሄር ድማ ረድኦ፣ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ኣግለሶም፣

32 ኰነ ድማ፣ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረኣዩ፣ ካብ ምስጓጉ ተምልሱ።

33 ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፣ ነቲ ንጉስ እስራኤል በታ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላ፣ ተወጊኤ እየ እሞ፣ ኢድካ ምለሳ፣ ካብዛ ሰልፊ ኣውጽኣኒ፣ በሎ።

34 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዔ፣ እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኰይኑ ኽሳዕ ምሸት ኣብቲ ሰረገላ ደው ኢሉ ነበር። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ ሞተ።