1ይ ጢሞቴዎስ 6

1 እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለዉ ዅሎም ባሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ኸም ዚግብኦም ይቝጸርዎም።

2 እቶም ኣመንቲ ጐይተት ዘለዎም ድማ፡ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ዕዮኦም ዚጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቁራትን ብምኳኖም እባ ደኣ ኣብዚሖም ይገዝእዎም። እዚ ነገርዚ ምሃርን ምዓድን።

3 ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡

4-5 ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።

6 ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ።

7 ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ።

8 ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና።

9 እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።

10 እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።

11 ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ።

12 ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ።

13-14 ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ ኢየሱስን እእዝዘካ አሎኹ።

15 ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡

16 ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።

17 ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም።

18 ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡

19 ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

20-21 ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።