1ይ ዜና መዋዕል 20
1 ኰነ ድማ፡ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጽሉ ጊዜ፡ ዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ዓሞን ኣጥፍኣ፡ መጺኡ ኸኣ ንራባ ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ዮኣብ ከኣ ንራባ ሰዐራ እሞ ኣፍረሳ።
2 ዳዊት ድማ ነታ ዘውዲ ንጉሶም ካብ ልዕሊ ርእሱ ወሰዳ፡ ሚዛና ኸኣ ሓደ ታለንት ወርቂ ምዃኑ ረኸቦ፡ ክቡራት ኣዕናቚ ድማ ነበርዋ። ናብ ርእሲ ዳዊት ከኣ ተነብረት። ካብታ ኸተማ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ።
3 ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖም። ዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ። ዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ።
4 ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ተላዕለ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሺጳይ ቀተሎ። ንሳቶም ከኣ ተገዝኡ።
5 ከም ብሓድሽ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ፡ ኤልሓናን ወዲ ያዒር ከኣ ንላሕሚ ሓው ጐልያድ፡ እቲ ጋታዊ፡ ቀተሎ፡ ንሱ እቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ እዩ።
6 ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሹድሽተ፡ ማለት ዕስራን ኣርባዕተን ኣጻብዕ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ካብ ሬፋ እተወልደ እዩ።
7 ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓያ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ።
8 እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ። ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላውኡን ከኣ ወደቑ።